መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰራዊቱ ካብ መሬት ትግራይ ክስሕብ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 02 February 2021

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መሬት ትግራይ ሰራዊቱ ክስሕብ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝካየድ ዘሎ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያን ከምኡ ድማ መንግስቲ ኣብይ እሕመድ ንዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታት ዝቓወሙ ኢትዮጵያውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሰልፍታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መቕተልቲ፣ ዓመጽ ዝርከብዎ ግፍዕታትን ምምዝባልን ብምዅናን፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክስሕብ ጸቕጢ ክገብረሉ ዝጠልብ’ዩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ጻውዒት፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ከተማ ካሊፎርንያን፣ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫን’ውን ን4 ለካቲት ተመሳሳሊ ሰልፍታት ክካየድ ተወዲቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብኹሉ ሸነኻት እታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታ፣ ንክልል ትግራይ’ውን ምሉእ ብምሉእ ክቖጻጸር ብዘይምኽኣሉ፣ ብውሕዱ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሓ ምዃነን’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0