ኤርትራ፣ ትሕቲ ባዶ ሚእታዊት ዕብየት ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት (GDP) ኣመዚጊባ

Radio Erena: 02 February 2021

ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ኤርትራ ወይ GDP ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2020 ናይ ኣሉታ 0.6 ሚእታዊት (-0.6%) ዕብየት ከምዝነበሮ ባንክ ዓለም ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ቁጠባ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2019፣ 6.5 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ኤርትራ፣ ናይ 3.7% ዕብየት ዝነበሮ ኮይኑ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ናብ ትሕቲ ባዶ ሚእታዊት ምውራዱ፣ ከም ኣውራ ጠንቂ ዝተጠቕሰ፣ እቲ ንቁጠባ መላእ ዓለም ጸልዩ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስ’ዩ።

ክሳብ መፋርቕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፣ ብዙሕ ለውጢ ከርኢ ተስፋ ዘይብሉ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ኤርትራ፣ ኩነታት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምምሕያሽ እንተርእዩ ናብ 3.5% ክዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ብመሰረት ባንክ ዓለም ዘቕርቦ ትንቢታዊ ጸብጻብ ድማ ኣብ 2022’ውን ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ኤርትራ፣ ካብ 5.5% ዝሓለፍ ኣይኮነን።

ካብተን ድኻታት ሃገራት ዓለም ተባሂላ ምስ ቀዳምት 10 እትስራዕ ኤርትራ፣ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክነጻጸር እንከሎ፣ 0.01% ጥራይ ከምዝሽፍን’ዩ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ዘነጽር።

ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት (GDP)፣ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዓመት ምሉእ ዘፍረየቶ ዘበለ ኩሉ ይኹን ዝቐረበቶ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብመጠን ገንዘብ ክትመን እንከሎ ማለት’ዩ።

ጃምላዊ ሃገርዊ እቶት (GNP) ድማ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር፣ ዋላ’ውን ካብ ናይ ወጻኢ ፍርያት ይኹን፣ ኣብ ሓደ ዓመት ዝረኽብዎ ውህሉል ኣታዊ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0