መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዶባት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዶባት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ

Radio Erena: June 02, 2014

Human Traf

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዶባት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ ከተማታት ኣስመራ፣ ተሰነይ ከምኡ ድማ ባጽዕ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሓይሎ ሰባት፣ ካብ ተራ ሲቪል ክሳብ ናይ ኮለነል ማዕረግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ኣብ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወሰድ ምዃኑ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

 

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ተደጋጋሚ ግፋ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍሉይ ንዝተለለዩ ሰባት ኣብ ምህዳን ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ሱዳን ኣብ ዶብ ሊብያ ንዝሓተዘቶም 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰት’ውን ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ዓድታት ብርክት ዝበክለ ምንቕስቓስ ሰራዊት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ይረኣ ምህላዉ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክውሕዙ ዝርኣዩ ኮይኖም፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ‘ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን’ ማለት ሁማን ትራፊኪንግ ንምግታእ ብዝብል ምስምስ ነቲ ዜጋታቱ ዶባት ከይሰግሩ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕርታት ብዝልዓለ ክሰርሓሉ ይርአ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት ሰጊሮም ከይስደዱ እቲ መፍትሒ፣ ሰራዊት ብምውፋር ዶባት ምዕጻው ዘይኮነ፣ ኣብ ሃገሮም ተስፋ፣ ክብርን መሰልን ምስ ዝህልዎም ጥራይ’ዩ።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምሻጥን ኤርትራውያን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ እዋን ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰገሩ ዝነበሩ ልዕሊ10ታት ኤርትራውያን ብሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ተታሒዞም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0