መንግስቲ ኤርትራ፣ ማህደረ ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ናብ ሱዳን፣ ቻይናን ህንድን ጥራይ ይሓጽሮ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ማህደረ ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ናብ ሱዳን፣ ቻይናን ህንድን ጥራይ ይሓጽሮ ኣሎ

Radio Erena: 30 September 2015

Higher

መንግስቲ ኤርትራ፣ ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ንዝቕጽሉ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን፣ ቻይናን ህንድን ጥራይ ይሓጽሮ ምህላዉ ካብ ኮሚሽን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ንዝተረኽበ ሓበሬታ ምርግጋጹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክቕጽሉ ንዝፍቀደሎም ተማህሮ፣ ናብዘን ሃገራት ጥራይ ክሕጸሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምኽንያት ብሰንኪ ህድማ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቕጻል ብውልቆም ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ንዝረኽቡ መንእሰያት፣ ንሓያሎ ዓመታት ክኽልክል ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ዝተኣታተወ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ፕሮጀክታት፣ ንኣማኢት ኤርትራውያን ተማህሮ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽቕጽሉ ዕድል ፈጢሩ እኳ እንተነበረ ድሕሪ’ቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍጻሜ ክቕጽል ኣይከኣለን።

ካብ ፈለማ 2000 ክሳብ 2004 በብእዋኑ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ንማህደረ ትምህርቲ ዝተላእኩ ኣማኢት ኤርትራውያን ተማህሮ እቶም ዝበዝሑ ከምዘይተመልሱ ይዝከር።

ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ንምግባሩ ብለገስቲ ሃገራት ንዝውጠን ፕሮጀክታት’ውን፣ ህድማ ዜጋታቱ ስለዘስግኦ መንግስቲ ኤርትራ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ንሓያሎ ተማህሮ ብናይ ርሑቕ ማህደረ ትምህርቲ እንተዘይኮይኑ ናብ ወጻኢ ከይገሹ ከልኪሉ ዝጸንሐ እቲ መንግስቲ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግና ምስ መንግስታት ሱዳን፣ ቻይናን ህንዲን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ናብዘን ሃገራት ክልእኽ ይርአ ኣሎ።

ብፍላይ ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ቁጠባዊ ርክብ ንምዕባይ ኤርትራ ንእትርከበን ሓያሎ ሃገራት እዛ ኣህጉር ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ክትከፍት ምዃና’ያ ትገልጽ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ቻይና ኣስታት 80 ኤርትራውያን ተማሃሮ ክልኣኹ እንከለዉ፣ ኣብ ዩኒቨርሲታት ህንዲን ሱዳንን ከኣ ብድምር ኣስታት 160 ተማሃሮ ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከምዝተላእኩ ንጸብጻብ ኮሚሽን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብምጥቃስ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይሕብሩ።

ናብ ማህደረ ትምህርቲ ዝተላእኩ ኤርትራውያን ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራን ካልኦት ሞያታትን ርኡይ ዋሕዲ ብቑዕ ዓምቕሚ ሰብ የጋጥም ምህላዉ ይፍለጥ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0