መንግስቲ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ኣገገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ ምዃኑ ወረ የናፍስ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ኣገገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ ምዃኑ ወረ የናፍስ ኣሎ

Radio Erena : 13 April 2015

Sawa28

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዉ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ ምዃኑ ብዘይወግዓዊ መንገዲ የናፍስ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ብ10 ሚያዝያ ብመንገዲ እታ ብመንግስቲ እትውነን መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣቢሉ ብቋንቋ እንግሊዝ Human Right: Weapon of Destabilization ማለት ‘ሰብኣዊ መሰላት፣ መሳርሒ ዘይምርግጋእ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ብሰንኪ ኣብ 1998 ዝተራእየ ተጻብኦ ኢትዮጵያ ክናዋሕ ዝተገደደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዓመት ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝተመልሰ ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ ብዓሎቕ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዛጊት ብወግዒ ንህዝቢ ኣይሓበረን።

 

እዚ ድማ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝገበረሉ ዘሎ ጸቕጢ ብምድንጋር ካብቲ ሕብረት ተዳልዩሉ ንዘሎ ናይ ኣስታት 300 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ምርካብን ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ’ዮም ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝገልጹ።

ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ከምዝተገልጸ፣ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ካብ 24 ክሳብ 26 መጋቢት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 2016 ኣትሒዙ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ካብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ተነጊርዎ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ፣ እቲ ብሕጓ ዝነተግሮ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ንምምላሱ ንሰርሕ ኣሎና’ ዝብል መግለጺ፣ ብወግዓዊ መንገዲ ክሕበር ከምዝደሊ ምግላጹ ኣብቲ ኣብ ሬድዮ ኤረና ዝቐረበ ጽሙቛ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርርብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ጽገናዊ ደሞካርስያዊ ለውጢ ክትግበር ነቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተባሒቱ ዘሎ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ክሓትት ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስቲ ንኤርትራ ሰሊዕዎ ዘሎ ናይ ኣስታት 300 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምትእስሳር ዳግም ኣልዒልዎ ይርከብ።

እቲ ንኤርትራ ተሰሊዑ ዘሎ መበል 11 ልምዓታዊ ሓገዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ስምምዕ ክኽተም ምዃኑ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ብዛዕባ ደሞካርሳያዊ ጽገናዊ ለውጥን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያንን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ዲፕሎማሰኛታቱን ዝተፈላለየ ዝርርብ ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0