ኬንያ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሶማል ክዕጾ ሓቲታ

ኬንያ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሶማል ክዕጾ ሓቲታ

Radio Erena : 13 April 2015

DadaabRef

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሶማላውያን ስደተኛታት ዝተዓቝቡሉ መዓስከር ዳዳብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክውዕጾ ንሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

እቲ ኣብ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ካብ መሬት ኬንያ ክግዕዝ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጽውዕ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዶባ ኬንያ ኣብ እትርከብ ጋሪሳ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈጸመ ህልቂት’ዩ።

መንግስቲ ኬንያ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንጹሃት 147 ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝፈጸሞ ህልቂት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብሃንደበት ክዕጾ ምጽውዑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

 

ይኹን’ምበር፣ ኣውራ መናሃርያ እቶም ኣብ ኬንያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ናይ ኣልሸባብ ጉጅለታት፣ ካብዚ መዓስከር ስደተኛታት ዝብገሱ ምዃኖም’ዩ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኬንያ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ገንዘብ ክሕውላ ዝጸንሓ 13 ናይ ሸርፍን ሓዋላን ትካላት ብምዕጻው ምስ ኣልሸባብ ምትእስሳር ከምዘለዎም ናይ ዝጠርጠሮም 86 ሰባት’ውን ናይ ባንክ ሕሳቦም ኣደስኪልዎ ይርከብ።

ምስ ሶማልያ ዘዳውቦ ከባቢታት ብመንደቕ ክሓጽሮን ናይ ጸጥታ ዞባ ከቕውምን ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ መንግስቲ ኬንያ፣ ነዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሶማላውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝርከብ መዓስክር ዳዳብ ካብ መሬት ክግዕዝ ምጽውዑ፣ ኣብ ሶማል ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር ዘሎ።

እቲ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዕጾ ዝሓተሉ ዘሎ መዓስከር መዓስከር ስደተኛታት ናብ መሬት ሶማል’ ክግዕዝ’ዩ ዝጠልብ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ነቲ መዓስከር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ እንተ ዘየግዒዝዎ ድማ፣ መንግስቲ ኬንያ ባዕሉ ከግዕዞ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0