መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናብ ፍርዲ ከቕርብ ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናብ ፍርዲ ከቕርብ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 07 January 2018

PM haylemariaመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዉዎ ካብ ተኣመነ፣ ናብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቦም ይግባእ ክብሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ጸዊዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብረቡዕ 3 ጥሪ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ’ዮም ዝብል መግለጺ ሂቡ፣ ተባሂሉ ዝወጸ ሓበሬታ፣ ናይ ትርጉም ጌጋ እዩ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ንገለ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ክግበረሎም’ዩ’ እዩ ኢሉ ዝብል ዜና ካብታ ሃገር ኣብ ዝፍነወሉ ዘሎ እዋን’ዩ እዚ ጻውዒት’ዚ ዝቐርብ ዘሎ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ግኑን ስም ዘለዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ክዓጽዎ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ መተካእታኡ ካልእ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ዘማለአ ቤት ማእሰርቲ ክሰርሕ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ከከም ክብደት ገበኖም ተራእዩ ንገለ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብፍላይ ከኣ ደገፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ምሕረት ክገብር ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ክዓጽዎ ምውሳኑ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ’ኳ እንተነኣዱ፣ እቲ መንግስቲ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዉዎ ካብ ተኣመነ፣ ግቡእን ሕጋዊ መስርሕን ናብ ዝተኸተለ መጋባእያ ከቕርቦም ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም።

እዚ ቤት ማእሰርቲ ምዃን ኣቋሪጹ ናብ ቤተመዘክር ክቕየር ዝበሃል ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ፣ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝተሳቐዩሉን ህይወቶም ዝሰኣኑሉን ቤት ማእሰርቲ እዩ።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0