መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንኸይባጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ንዝብል ክሲ ነጺጉ

Radio Erena: 24 August 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንኸይባጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ንዝብል ክሲ ነጺጉ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ረዲኤት ሳማንታ ፓወር ብሓሙስ 19 ነሓሰ እያ ነቲ ክሲ ኣቕሪባ። ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ብኣማኢት ኣሽሓት እንዳወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ኣብ መኽዘን ተሪፉ ዘሎ ከኣ ይውዳእ ኣሎ ኢላ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ፣ ለገስቲ ሃገራት ተሳኢነን ወይ ረዲኤት ዘየለ ኮይኑ ዘይኮነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ፈጢሩ ብምህላዉ እዩ ኢላ።
ሳማንታ ፓወር፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱ ከምዝሽገሩ፣ ኣብ መፈተሺ ነቑጣታት ነዊሕ ግዜ የጥጥፍኡ፣ ምፍርራህን ምጉብዕባዕን ካብ ሰራዊት ፈደራል ይወርዶም ኣሎ ትብል።
ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢለነ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፣ እቲ ክሲ መሰረት የብሉን ብምባል፣ መንግስቲ ከም ቀዳምነት ሰሪዑዎ ዘሎ ጸጥታዊ ውሕስነት እዩ ኢላ።
ዓለማዊ ውድብ መግቢ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ፣ ደርቂ፣ ዕልቕልቕ፣ ወራር ኣንበጣ፣ ምዝንባዕ ዕዳጋ፣ ክብሪ ዋጋታትን፣ ለበዳ ኮቪድ19ን ተዛራርዮምሉ ኣብ ዝጸንሑ እዋን እዚ ኲናት ይድረቦ ስለዘሎ ቁጽሪ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ናብ 13.6 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ገሊጹ። ነዚ ጸገም’ዚ ንምምካት ኣብዚ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ብውሑዱ ናይ 288 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0