ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዪዱዎም ዝነበረ ሰራሕተኛታት ው.ሕ.ሃ. ናጻ ወጺኡ

Radio Erena: 21 February 2022

ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዪዱዎም ዝነበረ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናጻ ከምዝወጸ እቲ ውድብ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ 18 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጅማሩ ዝተቐየዱ 16 ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታቱ፣ በብእዋኑ ክፍትሑ ምጽንሖም ብምምልካት፣ እቲ ናይ መወዳእታ እሱር ዕለት 18 ዓርቢ ናጻ ምውጽኡ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ኣብ ዝተጸምደሉ እዋን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣህጉራውያን ትካላትን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ እዩ።

መንነት ናይቲ ቅድሚ ራብዕቲ ዝተፈትሐ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይተገልጸን።

ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ስተቭን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝርከብ ዝተሸገረ ህዝቢ ንምርዳእ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ እዋን፣ ንህይወት ዝፈታተን ሓደጋታት ከምዘጋጥሞም ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ዝርከብ ትካላት’ቲ ውድብ፣ ብተደጋጋሚ ብዕጡቓት ከምዝተዘምተ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0