መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ክድዓት ፈጺሞም ንዝበሎም 5 ጀነራላትን 2 ኮለነላትን ናብ ፍርዲ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 16 November 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ክድዓት ፈጺሞም ዝበሎም 5 ጀነራላትን ክልተ ኮለነላትን፣ ብ14 ሕዳር ናብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ ተሓቢሩ።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ተኸሲሶም ካብ ዝተኣስትሉ ኣስታት ሓደ ሰሙን’ዮም ንመጀመርያ እዋን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኽድዓት ሃገር ዝኸሰሶም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን፣ ኣዛዚ ርክባት ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ፣ ኣዛዚ እዚ ምዕራብ፣ ሜጀር ጀነራል ይርጋው ገብረመድህን፣ ሓላፊ ዓቕሚ ሰብ ኣብ እዚ ምዕራብ፣ ብርጋደር ጀነራል ገብረህይወት ሲስኖስ፣ ኣዛዚ ስለያ እዚ ሰሜን፣ ብርጋደር ጀነራል ኢንስ ኢጃጆ ኣራሾ፣ ካልኦት ድማ ካብ እዚ ሰሜን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝነበሩ፣ ብርጋደን ጀነራል ፍስሃ ገብረስላሴ፣ ኮለነል ደሳለኝ ኣበበን ኮለነል ኢያሱ ነጋሽን’ዮም።

እዞም ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰሜን እዚ፣ ብፍሉይ ሓይልታት ትግራይ ክኽበብን ክጥቃዕን፣ ርክባት ኣብ ምቁራጽ፣ ስለያዊ ሓበሬታት ኣብ ምእካብ፣ ምስ ናይ ኦሮሞ ሓይልታት ሸኔ ብምትሕብባርን ካልእ ምስ ክድዓት ኣብ ዝጽብጸብ ንጥፈታት ከምዝተዋስኡን’ዮም ተኸሲሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብክድዓት ሃገር ዝኸሰሶም 7 ወትሃደራዊ መኮንናት፣ ተውሳኺ መርመራ ከካይድ ክፍቀደሉ ንፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፣ ንተወሳኺ ክልተ ቅነ ተዋሂቦ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ዞም ናብ ፍርዲ ዘቕረቦም 7 ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ 96 ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ፣ ሲቪላውን ወትሃደራውያን መራሕቲ’ውን ናይ ትእዛዝ ማእሰቲ ኣመሓላልፉ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንዝበዝሑ ተወላዶ ትግራይ ካብ ሓላፍነት ኣደስኪሉ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት ፖለቲካዊ ስጉምቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሄር ዘነጻጸረ ጥቅዓት ምዃኑ ይውቀስ’ዩ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Kulu dihri liwalawinet hager eyu wala shabiya yikun weyane. Emo asmerana likay yilekiyuwa diyom zelewu.