ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ንምሽምጋል ተበግሶ ወሲዱ ዝብል መግለጺ ጉጉይ ምዃኑ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሚዑ

Radio Erena: 16 November 2020

“ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንምሽምጋል ተበግሶ ክወስድ’ዩ” ዝብል መግለጺ፣ ጉጉይ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ዝስማዕ ዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ ሓዊስካ ሓያሎ መርበባት፣ “ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወስድ ገሊጹ” ክብላ ድሕሪ ምግላጸን’ዩ።

ብመሰረት እተን ማዕከናት ዜና፣ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሰንበት 15 ሕዳር፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ ናይ ሽምግልና ጉዳይ ንምዝርራብ፣ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ከምርሕ ምዃኑ፣ ንካልእ በዓል ስልጣን መንግስቲ ብምጥቃስ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ክሕብራ’የን ጸኒሐን።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ’ዚ ብፕርዚደንት ኡጋንዳ ተወሲዱ ዝብሃል ዘሎ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቕነት ከምዘይብሉ ክጥቀስ እንከሎ፣ ካብ ክልል ትግራይ ግና ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣቐዲሙ፣ ብዝተፈላለያ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ከምኡ ድማ ዘይሻራውያን ሃገራት፣ ክቐርብ ዝጸንሐ ናይ ሽምግልና እማመታት፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0