መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ንምምሕዳር ባይደን ዝሃቦ መግለጺ ሓሶት ምዃኑ ተቃሊዑ

Radio Erena: 01 February 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ንኣባላት ምምሕዳር ባይደን መግለጺ ከምዝሃበ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ብ29 ጥሪ፣ ንገለ ኣባላት ናይቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሑ ዝተባህለ ግፍዕታትን ሓሶትን ፖለቲካዊ ጸለመን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ንልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘብጽሐ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ፣ መሰኻክር ካብቲ ክልል ኣብ ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ፣ ኣብ ባይቶ ዘሎ ሓቅታት ካብዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምሕዳር ዋሽንግተን ዝተዋህበ መግለጺ ዝተፈልየ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ቅትለት፣ ጥሜትን ካልእ ግፍዕታትን ይቕጽል ከምዘሎ ምርግጋጾም እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናይ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎን፣ ኤርትራ ድማ ሰራዊታ ክትስሕብን ከምዝጸውዐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገራት መላእ ዓለም፣ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን፣ ብሰንኪ’ቲ ኵናት ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜትን ከምዘተሓሳስበን ብወግዒ ይገልጻ ኣለዋ።

ቀንዲ ተዋሳኢ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕታት፣ ናብቲ ክልል ሰራዊቱ ኣዋፊሩ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ’ውን ማዕከናት ዜና ዓለም ብሰፊሑ የቃልሓ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ካብ ዜጋታቱ’ውን ተቓውሞታት ከለዓዕል ጀሚሩ ዘሎ፣ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፣ ዝርዝራዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0