ሞቛድሹ፣ ኣብ ሆቴል ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዝርከቦም ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 February 2021

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሹ፣ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሚኒስተር ምክልካል ነበር፣ መሓመድኑር ጋላል ዝርከቦም ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ብ31 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሰበ ስልጣንን ወጻእተኛታትን ከምዝዓርፍሉ ዝተነግረሉ ሆቴል ኣፍሪክ፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ ዕጡቓት ናብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ብምእታው ሓያሎ ሰባት ጆሆ ሒዞም ክሳብ 1 ለካቲት ክታኾሱ ከምዝወዓሉ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምስ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገርን፣ ሓድሕዳዊ ግጭትን ምድኻምን ናይተን ሰራዊተን ናብታ ሃገር ልኢኸን ዝጸንሓ ጎረባብቲ ሃገራትን ተደማሚሩ፣ ንኣልሸባብ ፍናን ሂብዎ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0