መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ዝብል ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ

Radio Erena: 11 February 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸመ፣ ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ።

እቲ ብኣህጉራውያን ክኢላታት ሕጊን ጥብቕናን ዝተመስረተ ክሲ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኵናት ናብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ጃምላዊ መቕተልቲ፣ ዓመጽ ደቂንስትዮን ካልእን ዝኣመሰለ ገበናት ከምዝፈጸመ’ዩ ዝወቕስ።

እቲ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ክሲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ክሳብ ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝፈጸመ ዝእምት ምዃኑ ዘ ጋርድያን ኣቃሊሑ።

ነቲ ክሲ ዘቕረቡ፣ ዓለምለኸ ማሕበር ሕጋዊ ስጉምቲ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣመሪካዊ ትካል ጥብቅና፣ ደቦቭዋን ፕሊምፕቶንን ማሕበር ጠበቓታት ምሕዝነት ፓን ኣፍሪቃን ዝተባህሉ ‘ዮም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ክሲ ክምርምርን፣ ኣጻርዩ ድማ ውሳኔ ክህበሉን፣ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ፣ ዳይረክተር ማሕበር ዓለምለኸ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣንቶንያ ሙልቨይ ተማሕጺና።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብኣሉ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ናይ ገዛእ ርእሱ ተባዕ ውሳኔ ዘይጸንሖ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0