ዩኒሴፍ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ኣርባዕ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዝተጠቕዑ ልዕሊ 5 ሚልዮን ቆልዑ ከምዝሓከመ ገሊጹ

Radio Erena: 11 February 2022

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላይሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ቀረባት ማይን መግብን ከምዘድልዮም ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- UNICEF ገሊጹ።

እቲ ትካል፣ ብ8 ለካቲት ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርበ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ዞባ፣ ብፍላይ ኩነታት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጠልጠል ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብዘን ኣርባዕተ ሃገራት፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዝተጠቕዑ 5.5 ሚልዮን ቆልዑ ከምዝኣለየ ዝሓበረ UNICEF፣ ናይቶም 1.5 ሚልዮን ዝበኣሰ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

ግጭታት፣ ድሩቕ ወቕቲን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተደማሚሩ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ይጥቐስ።

ዝናብ ኣብ ወቕቲ ከምቲ ዝድለ እንተዘይወሪዱ፣ ናይ መግቢ ቅልውላው እቲ ዞባ፣ ክብእስ ምዃኑ UNICEF ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልን፣ ኣብ ተኸታታሊ ሰለስተ ናይ ዝናብ ወቕቲ ብዘጋጠመ ደርቂ፣ 13 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ተቓሊዑ ምህላዉ፣ ውድብ መግቢ ዓለም ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ’ዩ።

ኣብ ምቕራብ ክታበት ቆልዑ፣ ቫይታሚን ኤን መኣዛዊ መግብታትን ዘተኮረ UNICEF፣ ኤርትር ኣብ እትርከብን ኣርባዕተ ሃገራት እቲ ዞባ፣ ህወይት ሰባት ንምድሓን፣ ክሳብ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ናይ123 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልዮ፣ ንመወልቲ ሃገራትን ትካላት ግብረ ሰናይን ተማሕጺኑ።

ብምልኪ፣ ስኑፍ ምሕደራን ኵናትን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ኩነታት ተመሊሱ ከምዘሎ ‘ዩ ዝትንተን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0