መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 21 ዜጋታቱ ናብ ዓዶም መሊሱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 21 ዜጋታቱ ናብ ዓዶም መሊሱ

Radio Erena: 26 January 2018

ethi lib

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 21 ዜጋታታ ከምዘውጽአት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ብሮቡዕ 24 ጥሪ ምሸት ብነፋሪት ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ጠራብሎስ ብሊብያውያን ክከላበቱ ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ውን ካብ ጠራብሎስን ቤንቓዝን 45 ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ክመልስ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ንምምላስ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታት ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ የገንዝብ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን’ውን፣ ሊብያውያን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳን ንዘብጽሕዎ ዘለዉ ግፍዕታት ንምቅዋም፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ኣዘራሪቡ’ዩ።

ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0