መራሕቲ ርዋንዳን እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ተዘራሪቦም

መራሕቲ ርዋንዳን እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ተዘራሪቦም

Radio Erena: 26 January 2018

rwandaa

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ከምዝተዘራረቡ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም መራሕቲ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ዳቮስ፣ ብሮቡዕ 24 ጥሪ ብምርኻብ፣ ኣብ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት ተመያይጦም።

ፕረዚደንት ፓል ካጋመ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዘካየዶ ዝርርብ፣ ርዋንዳ ካብ እስራኤል ንዝምለሱ ስደተኛታት እትቕበል ኣህጉራዊ ሕግታት ብዝፈቕዶ መስርሕ ጥራይ ምዃና ከምዝገለጸሉ እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፣ ድሕሪ’ቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰኑይ 22 ጥሪ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ርዋንዳ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ብዘይድሌቶም ንዝስጎጉ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝኣተዎ ምስጢራዊ ውዕል ከምዘየለ ኣረጋጊጹ’ዩ።

እስራኤል፣ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ክትሰጉግ ትዳሎ ከምዘላ እኳ እንተገለጸት፣ መንግስታት እዘን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ግና ምስ እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ’ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።

ብፍላይ ርዋንዳ ምስ እስራኤል ኣብ ቀጻሊ ዝርርባት እኳ እንተላ፣ ኣብ ውዱእ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ግና ደጋጊማ ተመልክት።

ብቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል፣ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክሰጉግ ነቶም ዝኣበዩ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኒም ክኣስር ምዃኑ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን፣ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ጋዜጠኛታት፣ ምሁራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብረርቲ ነፈርት፣ ነጠፍተኛታትን ሰብ ሞያ ሕግን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ግና ነቲ ውሳኔ ይኹንንዎ ኣለዉ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Daniel 4 years ago

    ስላም ብጣዓሚ ንፋዓት  በርትዑ