መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ጋምቤላ ኢኹም ዝበሎም ሰባት ቀይዱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ጋምቤላ ኢኹም ዝበሎም ሰባት ቀይዱ

Radio Erena: 10 September 2015

court

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ምስ ዝመደበሩ ምንቕስቓስ ሓርነት ህዝቢ ጋምቤላ ዝተባህለ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣባላት ኢኹም ንዝበሎም ሰለስተ ሰባት ኣብ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪቡ።

እቶም ተወላዶ ጋምቤላ ዝኾኑ ስለስተ ጥርጢራት፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ኬንያ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተታሕዙ ምንጭታት ዜና እታ ሃገር የረድኡ።

እንተኾነ እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ የእትይዎም ዘሎ ሰለስተ ሰባት፣ ንጹሃት ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ።

 

ምንቕስቓስ ንናጽነት ህዝቢ ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኢህወደግ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምሕዳግ፣ ቅድሚ 15 ዓመት ብረት ከምዘልዓለ ይፍለጥ።

እቲ ምንቕስቓስ፣ ኣብ ካናዳ፣ ብሪጣንያን ኤርትራን ብዝርከቡ ኣባላቱ እናተወሃሃደ ከምዝሰርሕ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቅስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ከም ግንቦት 7፣ ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ምንቕስቓስ ህዝቦ ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ፣ ምንቕስቓስ ሲዳማን ጋምቤላን ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ሓይልታት ስሙር ግንባር ንምፍጣር ቀጻሊ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ድሮ’ውን ብውሕዱ ኣርባዕተ ካብዞም ተቓወምቲ ሓይልታት ሓቢሮም ምህላዎም ብወግዒ ኣፍሊጦም’ዮም።

==================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0