መንግስቲ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መማህራን ላዕለዋይ ደረጃ ንምምላእ 35 ኬንያውያን ቆጺሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መማህራን ላዕለዋይ ደረጃ ንምምላእ 35 ኬንያውያን ቆጺሩ

Radio Erena: 10 September 2015

Semere

ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ከቢድ ናይ መማህራን ዋሕዲ ኣጋጢምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኮሚሽን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ 35 ኬንያውያን መማህራን ከምዝቖጸረ ተሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ነዞም 35 ኬንያውያን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ክምህሩ ዝቖጸረሉ ምኽንያት፣ “ኬንያ ብቑዓት ሞያውያን ካብ ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ብምዃና’ዩ” ክብል ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ምግላጹ ጋዜጣ ዘ ስታር ኣገንዚባ።

ኮሚሽን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓትን ካልኦት መሻርኽትን ብዝረኸቦ ምውላ ካብ ህንዲን ካልኦት ሃገራት ብዝሒ ዘለዎም መማህራን ከምጽእ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ብህንዳውያን ተባሒቱ ዝርከብ ሞያ ምምህርና ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ብኤርትራውያን ንምትካእ ዝተሓንጸጸ መደብ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክዕወት ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግምገም።

ነዚ ብህንዳውያን ተባሒቱ ዝርከብ ሞያ ምምህርና ብኤርትራውያን ንምትካእ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ንዝልዓለ ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ካብ ዝተላእኩ ኤርትራውያን መብዛሕቶም ኣይተመልሱን።

ብዘይካ’ዚ ኣቐዲሞም ነቲ ሞያ ሒዞሞ ዝጸንሑ መማህራን ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብስግረ ዶብ ናብ ስደት የምርሑ ብምህላዎም፣ ኮሌጃት ኤርትራ ርኡይ ዋሕዲ መማህራን የጋጥመን ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ካብ መባእታ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ብሰንኪ ስደት፣ ብዋሕዲ መማህራን ይሰናኸላ ምህላወን ይፍለጥ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0