መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን22 ናይ ብሕቲ መደባርት ቴሌቪዥንን 15 ኣገልግሎታት ሬድዮን  ፍቃድ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን22 ናይ ብሕቲ መደባርት ቴሌቪዥንን 15 ኣገልግሎታት ሬድዮን ፍቃድ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 October 2015

TV stations in Eth

መንግስቲ ኢትዮጵያ ን22 ናይ ብሕቲ መደበራት ቴሌቪዥንን 15 ኣገልግሎታት ሬድዮ ፍቓድ ክህብ ምዃኑ በዓል መዚ ፈነወ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ኣብዘን ዝቕጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ነዘን መብዛሕተን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክህባ ምዃነን ዝገለጻ ዘለዋ መደባርት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ፍቓድ ናይ ፈነወ እንትሂቡ፣ ኣብ መዳይ ናጽነት ፕረስ እታ ሃገር ዓቢ ዝላ ክኸውን’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ናይ ብሕቲ ሬድዮታትን ጋዜጣታትን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

 

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ብዝገብሮ ጸቕጢ፣ ዓመጽት ፕረስ ካብ ምብላ ከድሕኖ ኣይከኣለን።

ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ናይ 2015 ጸብጻብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ዘለወን ሃገራት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ርዋንዳን ኢኳተርያል ጊኒን’የን።

ኢትዮጵያ እትርከበን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ነዘን ሓሙሽተ ሃገራት ስዒበን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ዝርከባ’የን።

ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበለጸ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ናሚብያ’ያ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0