ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ዝሕወል ገንዘብ ደው ምባሉ፣ መዓልታዊ ናይ 5.4 ሚልዮን ዶላር ዋሕዚ ምዕጋቱ ተሓቢሩ

ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ዝሕወል ገንዘብ ደው ምባሉ፣ መዓልታዊ ናይ 5.4 ሚልዮን ዶላር ዋሕዚ ምዕጋቱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 06 October 2015

Mon Tran

መንግስቲ ኬንያ ናብ ሶማል ገንዘብ ዝሕውላ 13 ትካላት ብምዕጻው፣ መዓልታዊ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዝነበረ ናይ ኣስታት 5.4 ሚልዮን ዶላር ክዕገት ምኽኣሉ ፋይናንስ ሚኒስተር ፈረደራላዊ መንግስቲ ሶማል መሓመድ ኢብራሂም ገሊጹ።

ብሰንኩ ድማ መጠን ሸርፊ ባጤራ ሶማል ብ20 ሚእታዊ ከምዘንቆልቀለ እቲ ሚኒስተር ምስ ጋዜጣ ስታር ናይ ኬንያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ጠቒሱ።

ኬንያ፣ ናብ ሶማል ዝግበር ሓዋላ ንሽበራውያን ጉጅለታት የርብሕ ኣሎ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ ናብ ሃገር ገንዘብ ዝሕውላ ትካላት ክትዓጽወን ከምዝወሰነት ይዝከር።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ኣመሪካ ዝርክታት ናብ ሶማል ዝግበር ሓዋላ ይኹን ምስግጋር ገንዘብ ኣቐዲመን ደው ምባለን፣ እታ ሃገር ካብ ሓዋላ እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ብከቢድ ተሃስዩ ይርከብ።

ሶማል፣ ካብ ሓዋላ ብዝርከብ ኣታዊታት ኣብ ኣፍርቃ ምስ ቀዳማት እትስራዕ ኮይና፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ዓመታዊ ክሳብ 1.2 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገሮም ይሕውሉ።

እንተኾነ፣ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ቅርብበት ዘለዎም ውልቀሰባትን ትካላትን ኣብ ምሕዋልን ምስግጋርን ገንዘብ ተዋፊሮም ከምዘለዎ ዝእንፍት ሓበሬታ ክርከብ ብምጽንሑ፣ ካብ ኣመሪካን ኬንያን ናብ ሶማል ገንዘብ ዝሕውላ ትካላት ደው ከብላ ከምዝተገደዳ’ዩ ዝግለጽ።

ኣመሪካን ኬንያን ሶማላውያን ብብዝሒ ካብ ዝተሰዱለን ሃገራት’የን።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0