‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ጅሆ ንምሓዙ ይሰርሕ ኣሎ።’ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ

Radio Erena: 09 July 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ቶኽሲ፣ ንትግራይ ኣብ ከበባ ብምእታው ንህዝቢ ግዳይ ጥሜት ንምግባሩ ዘንቐደ’ዩ ክብል፣ ኮሚሽነር ምሕደራ ቅልውላው ሕብረት ኤውሮጳ: ጃኔዝ ሌናርቺች ገሊጹ።

ንሱ፣ ብ6 ሓምለ ንኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ምቑራጽ ቶኽሲ ዘይኮነ ከበባ’ዩ ክብል’ዪ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ሓገዝ ከይኣቱ ከልኪኩ፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዓጊቱ፣ መራኸቢታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣቛሪጹ፣ ድልድልን መንገድታትን ኣፍሪሱ፣ በይናዊ ምቑራጽ ቶኽሲ ጌረ ክብል ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ድሮ ኣማኢት ኣሽሓት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ፣ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ብዝሒ ህዝቢ ናብ ሓደ ሚልዮም ተጸጊዑ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት፣ ብሰብ ዝመጸ’ዩ ድሕሪ ምባል ድማ እቶም ነዚ ዝገበሩ ተሓተቲ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ከም ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን’ውን ስለዝተፈጸም፣ እቲ ጉዳይ ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኵናትን ክበጽሕ ከምዝኽእል ኮሚሽነር ጃኔዝ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ጸቕጢ ዝበዝሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ዝዓለመ ሓገዛት ዝጸዓና ነፈርቲ፣ ናብቲ ክልል ክበራ ከምዝፈቅድ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር እቶም ናይ ረዲኤት ትካላት ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉ ንዘጋጥሞም ዝኾነ ሓደጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ከምዘይከውን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ህጹጽ ሓገዛት ክነጥፍ ዝጸንሐ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንጥፈታቱ ደው ከምዘበለ ገሊጹ።

እቲ ትካል ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ስለስተ ኣባላቱ፣ ዝሕተተሎም ይኹን ጉዳይ ኣቐታትልኦም ዘጻሪ ኣካል ብዘይምህላዉ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0