መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ዝገሹ ጋዜጠኛታት ምዕጋቱ፣ ጸረ ናጽነት ፕረስ ምዃኑ ተነቒፉ

Radio Erena: 08 September 2020

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ንምዕዛብን ጸብጻባት ንምትሕልላፍን ናብቲ ክልል ዝተበገሱ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዓግቱ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

እቶም ምስ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጢ ሃገርን ሜድያታት ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ’ዮም ብኣባላት ጸጥታ፣ ናብ ትግራይ ከይገሹ ተኣጊዶም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምዕጋት ስጉምቲ ምውሳዱ፣ ኣብ ዓፈናን ምግሃስ ናጽነት ፕረስን ከምዘድሃበ ዘጉልሕ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

ንክልል ትግራይ ምርጫ ካብ ምግባር ክዓግት ዓቕሚ ዝሰኣነ መነግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጋዜጠኛታት ናብ ዝመረጽዎ ዞባ እናተንቀሳቕሱ ሞያዊ ስርሖም ከይገብሩ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ምኽልካሉ፣ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዝተፈላለየ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ርእይቶታቶም ይህብሉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    When Abiy said freedom of the Press…..He meant only those in his Favor….Not for Tigrai…Lidetu Ayalew…Yayesew Shimeles or Jawar Muhammed…..Those are for freedom of Election and Independent Judiciary thus Enemies…….He is a Student of the worst Dictator in the Continent ..Isaias……No surprises there….Selah