መንግስቲ ቦትስዋና፣ ኣቐዲሙ ዑቕባ ንዝሃቦም 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ብዝቐልጠፈ ካብ ሃገሩ ክወጹ ኣጠንቂቑ

መንግስቲ ቦትስዋና፣ ኣቐዲሙ ዑቕባ ንዝሃቦም 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ብዝቐልጠፈ ካብ ሃገሩ ክወጹ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 04 November 2015

National Team

መንግስቲ ቦስትዋና ዑቕባ ንዝሃቦም 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝቐልጠፈ ካብ ሃገሩ ከውጽኦም ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት- UNHCR ሓቲቱ።

መንግስቲ ቦትስዋና ነዚ ሕቶ ዘቕርብ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦም ፖለቲካዊ ዑቕባ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ናብ UNHCR ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፣ እቲ ትካል ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከግዕዞም እንተዘይክኢሉ፣ ካብ ሃገሩ ክሰጎም ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት ዱክዊ ከምዘለዉ እቲ መንግስቲ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ መዓስከር ከውጽኦም ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ክሳብ ዘግዕዞም፣ ናይ መግብን መጽለልን ካልእ ሓላፍነትን ክወስድ መንግስቲ ቦትስዋና ጸዊዑ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ዑቅባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ንዝተረፉ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ኣብ ፈለማ በስገዳድ ክመልሶም ጻዕርታት እኳ እንተካየደ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራውስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)ን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዘካየድዎ ጻዕርታት ግና ጉዳዮም ክረአ ከምዝተሰማምዐን ኣይርሳዕን።

ጉዳዮም ናብ ጋብሮን፣ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ ከኣ እቲ ቤት ፍርዲ ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክሳብ ዝስማዕ ናብ ኤርትራ ከይጥረዙን ጉዳዮም ድማ ክሳብ 11 ታሕሳስ ክርአን ወሲኑ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ፣ መንግስቲ ቦትስዋና ንብምሉልኦም እቶም ተጻወቲ ዑቅባ ከምዝሃቦም እኳ እንተገልጸ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብዝቐልጠፈ ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዙ እንተዘይክኢሎም ካብ ሃገሩ ክሰጎም ምዃኑ የጠንቕቕ ኣሎ።

ብመግለጺ እቲ መንግስቲ ዝተገረመ UNHCR፣ ካልእ ኣማራጺት ንምንዳይ ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ካብ ቦትስዋና ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ ቦትስዋና፣ እቶም 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ናብ ካልእ እንተዘይግዒዞም ክሰጎም ምዃኑ ምጥንቓቑ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንኽጣየሱ ዘቀላጥፍ ዕድል ክኽውን ከምዝኽእል’ውን ሓያሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0