መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ሜድያታት ጽጽያ (ሰንሰርሺፕ) ጀሚሩ

Radio Erena: 25 December 2022

መንግስቲ ሶማል፣ ሜድያታት ሃገሩ ትሕዝቶታተን ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምዝርገሐን፣ ንመንግስቲ ከፍልጣ ኣለወን ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ጋዜጠኛታት’ታ ሃገር ንናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዎ ሓበሬታ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ እዩ ዝተባህለ መልእኽቲ፣ ‘ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ዜና፣ መጀመሪያ ብሰበስልጣን ክምርመር ኣለዎ’ ዝብል ከምዝርከቦ ኣመልኪቶም።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማል፣ ነቲ ‘ካብ ላዕለዋይ ኣካል ዝመጸ ትእዛዝ እዩ’ ዝተባህለ ብጽሑፍ ዘይኮነ ብቴለፎን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብምንጻግ፣ ንሞያ ጋዜጠኝነት ዝፈታተን እዩ ክብል ነቒፉዎ።

ዳይረክተር ሪሳላ መዲያ ኮርፖረሽን፣ መሓመድ ዓብዲዋሃብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፣ እቲ ትእዛዝ፣ ቀጥታዊ ጽጽያ (ሰንሰርሺፕ) እዩ ብድሕሪ ምባሉ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ነንዝደለዩዎ ዓይነት ዜና ጥራይ ክመሓላለፍ ከፍቅዱ፣ ፍሉይ ስልጣን ዝህብ እዩ ኢሉ።

ምኽትል ሚኒስተር ዜና ዓብዲራሕማን ዩሱፍ ዓዳላ፣ ብዛዕባ’ቲ ተመሓላሊፉ ዝተባህለ ትእዛዝ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።

ጽጽያ ኣብ ልዕሊ ማዕከናት ዜና ምክያድ ኣንጻር ቅዋም’ታ ሃገርን ሕግታት ሜድያን ብምዃኑ፣ እዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተሰዲዱ ዝበሃል ዘሎ ትእዛዝ ተግባራዊ ኣይክኸውንን እዩ፣ ክብል ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማል ይገልጽ።

ምስቲ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር ብሰፊሑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣልሸባብ ተደሚሩ፣ ሶማል ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾና ሃገራት ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ናይ ጽጽያ (ሰንሰርሺፕ) ትእዛዝ እንተተግቢሩ፣ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከኸትል ከምዝኾነ፣ ሰራሕተኛታት ሜድያ ሶማል ብምረት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0