ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ FRUD ዝጸንሑ ወተሃደራት ጂቡቲ ናጻ ኣውጺኡ

Radio Erena: 23 December 2022

ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ጂቡቲ ዝጸንሑ ወተሃደራት፣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ናጻ ከምዝወጹ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ፈደራል ምስ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዱዎ ወተሃደራዊ ስርሒት፣ ሽዱሽተ ወተሃደራት ጂቡቲ ናጻ ወጺኦም ናብ መንግስቶም ተረኪቦም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

እቲ ማሪኹዎም ከምዝጸንሐ ዝግለጽ ዘሎ FRUD ዝተባህለ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝርከብ መሬት ዓፋር ብምንቅስቓስ ኣንጻር መንግስቲ ጂቡቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ጉጅለ እዩ።

እቲ ግንባር ንውሕስነትን ደሞክራሲን ወይ FRUD ዝተባህለ ሓይሊ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ግፍዕታት ከውርድ ጸኒሑ ተባሂሉ እዩ ብመንግስታት ጂቡቲን ኢትዮጵያን ክኽሰስ ጸኒሑ።

ንህዝቢ ዓፈር ጥራይ ዝሓቖፈት ሃገር ክምስርት’የ ብምባል ብረት ኣልዒሉ ዘሎ FRUD ካብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ሰላማውያን ሰባት ብምጭዋይ እውን ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0