መንግስቲ ሶማል፣ ንሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከም ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝርእዮ ኣነጺሩ

መንግስቲ ሶማል፣ ንሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከም ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝርእዮ ኣነጺሩ

Radio Erena: 08 September 2017

ONLF

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ካብ መጀመርያ 1980ታት ኣትሒዙ፣ ንዞባ ኦጋዴን ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ብረት ዝዓጠቐ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ሃግሓኦ) ከም ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝርእዮ ኣነጺሩ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘነጸረ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝሓዞ ሓደ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ናይቲ ግንባር ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ።

እቲ ዓብዲ ከሪን ሸኽ ሙሳ ዝተባህለ ኣባላ ማእከላይ ሽማግለን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሓላፊን ሃግሓኦ፣ ቤተሰቡ ንምርኣይ ኣብ ዞባ ጋል ማዱግ፣ ናብ እትርከብ ከተማ ጋልካዮ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብ23 ነሓሰ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተታሒዙ፣ ኣብ ሰሙኑ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበ ይዝከር።

 

እቲ ናይ ሶማልን ኢትዮጵያን ዜግነት ከምዘለዎ ዝተገልጸ ዓብዲ ከሪን ሸኽ ሙሳ፣ ቅድሚ ኣባል ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ምዃኑ፣ ምስ ሰራዊት ሶማል ተሰሊፉ ኣብ 1977 ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኢትዮ ሶማል ከምዝተኻፈለ’ውን ሰነዳቱ የረጋግጽ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነዚ ኣባል ሃግሓኦ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ፣ ካብ ሓያሎ ሶማላውያን ተደናገጽቲ ኦጋዴን ዝኾኑ ወገናት ተሪር ነቐፌታ ክመጾ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ብሮቡዕ 6 መስከረም ዝተጋብአ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማል፣ ነቲ ንምንጻል ዞባ ኦጋዴን ካብ ኢትዮጵያ ብረት ዝዓጠቐ ሃግሓኦ ከም ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝርእዮ ደጊሙ ብምንጻር፣ ንወትሃደራዊ ሓላፊኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካቡ ቅኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዓብደሪሒም ዑመር ዑስማን ድሕሪ’ቲ ናይ ካቢኔ ኣኼባ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ2015 ኣብ ዝኸተምኦ ወትሃደራውን ጸጥታውን ስምምዕ፣ ንኣልሸባብን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ከም ሽበራውያን ጉጅለታት ክፈልጥኦም ከምዝወሰና ኣመልኪቱ።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ካብ ኤርትራ፣ ከተማ ኣስመራ፣ ቀጽሪ ፎርቶ፣ ብቋንቋ ሶማልኛ ዝመሓላለፍ ናይ ሬድዮ ፈነወ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0