መንግስቲ ሶማል፣ ሰራዊት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ተኣሚኑ

Radio Erena: 28 January 2021

መንግስቲ ሶማል፣ ሰራዊቱ ናብ ኤርትር ከምዝልኣኸ ንመጀመርያ እዋኑ ተኣሚኑ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣዴታት “ደሃይ ደቕና ኣፍልጠና” ብምባል ድሕሪ ዘካየድኦ ተቓውሞታትን ካብ ህዝቢ ዝወረዶ ጸቕጢን’ዩ ናብ ኤርትራ ሰራዊት ከምዝልኣኸ ክኣምን ተገዲዱ።

እንተኾነ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ሰራዊት፣ ንስልጠና ደኣ’ምበር ናብ ኵናት ትግራይ ከምዘይኣተወ ንሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዑስማን ኣቡካር ዱበ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ነበርን ኣባላት ባይቶን ዝርከብዎም ሓደ ሓደ ወገናት እታ ሃገር፣ ኣብ ዘቕርብዎ ሓበሬታ፣ ናብ ኤርትራ ካብ ዝተላእከ ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምእታው፣ ኣማኢት ካብኣቶም ከምዝሞቱ’ዮም ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ብሓለፍቲ ነበረን ኣባላት ባይቶን እታ ሃገር ዝቐረበ ሓበሬታ ክኽሕዶ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣዴታት ሶማል፣ ደሃይ ደቕና ኣፍሊጡና ብምብላ ከካይድኦ ድሕሪ ዝጸንሓ ሓያሎ ተቓውሞ ግና፣ እቲ መንግስቲ ሰራዉት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኾ ብወግዒ ተኣሚኑ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ናብ ኤርትራ’ዮም ተላኢኺም ናይ ዝበሎም ብዝሒ ሰራዊት ዛጊት ኣየነጸረን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0