መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ብኮሚሽን ስደተኛታት ንዝወሃብ ዝነበረ ስልጠናታት ደው ኣቢልዎ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ብኮሚሽን ስደተኛታት ንዝወሃብ ዝነበረ ስልጠናታት ደው ኣቢልዎ

Radio Erena: April 14, 2014

East Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውንን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ደው ክብል ኣዚዙ።

እቲ ‘መሰጋገሪ ፍታሕ’ Transitional Solutions Initiative (TSI) ብዝል ስም፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከሰላ ንዝርከቡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሱዳናውያንን ንምሕጋዝ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ደው ክብል ብመንግስቲ ሱዳን ትእዛዝ ዝተመሓላለፈሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እቲ ፕሮጀክት ብምወላ መንግስታት ነርወይን ኔዘርላንድስን ምትሕብባር ኮሚሽን ስደተኛታትን ፕሮግራም ልምዓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝካየድ ዝሓበረ ኣካይዲ ናይቲ መደብ፣ ንስደተኛታትን ከቢድ መነባብርዎ ንዘለዎም ነበርቲ እቲ ዞባን ኣብ ስልጠና ኣውቶ መካኒክ፣ ምፍራይ ናይ ጸባ ከብትን ካልእ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ስልጣን ከምዝህብ ኣረዲኡ።

 

ኣብቲ ካብ ሱዳን ብዝያዳ ዝተነጸለን ብምዕባለ ዝተሃስየን እናተባህለ ዝግለጽ ዞባ ምብራቕ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝርከብዎም 6.1 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም 18 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ካብ 2012 ክሳብ 2014 ኣብ ዝነበረ ዓመት ድማ በቲ ናይ መሰጋገሪ ፍታሕ ዝተሰምየ ፕሮጀክት ካብ ስደተኛታትን ነበርቲ እቲ ዞባን ዝተዋጽኡ 163 ሽሕ ስልጠናን ሓገዝን ከምዝተገብረሎም እቲ ውድብ ጠቒሱ።

መንግስቲ ሱዳን እቲ ፕሮጀክት ክቛረጽ ትእዛዝ ምምሕልላፉ፣ ተሓንጺጹ ዝነበረ ናይ ሓገዝን ስልጠናን መደባት ክቛረጽ ስለዝኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ገኒኑ ዝርአ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው እናበእሰ ክመጽእ ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቕ።
==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0