መንግስቲ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝፈተኑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ስደተኛታት ቀይዱ

መንግስቲ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝፈተኑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ስደተኛታት ቀይዱ

Radio Erena: April 14, 2014

Eri In Libya

መንግስቲ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝቐራረቡ ዝነበሩ መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ቓስም ኣዩብ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ስደተኛታት ዝጸዓና ሓሙሽተ ጀላቡ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝተበገሳሉ ብሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ከምዝተታሕዛ ብምጥቃስ 78 ካብኣቶም ካብ ምጥሓል ንስክላ ከምዘድሓንዎም ኣፍሊጡ።

 

እቶም ብተመሳሳሊ ስርሒታት ብሓይሊ ባሕሪ ዝተታሕዙ ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ትሪፑሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዘለው ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፣ እቶም ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ዘድልዮም ድማ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ከምዝተገብሎም ገሊጹ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሊብያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣስታት 400 ስደተኛታት እንታይ ውሳኔ ከሕልፍ’ዩ ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኢጣልት ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ሊብያን ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ’ታ ትሕብር።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0