መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከባቢታት ከሰላ ዝሃንጾ ዘሎ ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝውዕል ዲጋ ኣማኢት ሰባት ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከባቢታት ከሰላ ዝሃንጾ ዘሎ ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝውዕል ዲጋ ኣማኢት ሰባት ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ

Radio Erena: 26 February 2015

EasDam

መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሃንጾ ዘሎ ዲጋ ኣማኢት ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዘዘናበለ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ካብ ላዕላይ ኣጥባራን ወሓዚ ሰቲትን ማይ ከዋህልል ተባሂሉ ዝስራሕ ዘሎ ሩሜላ ዝተሰምየ ዲጋ ንምህናጽ፣ ኣብ ከባቢታት ወደ ‘ል ሒሉ ዝረከቡ ኣስታት 500 ሰባት ካብ መነባብሮም ክመዛበሉ እንከለዉ፣ ክሳብ ኤል ፋሽጋን ከባቢታት ገዳርፍን ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ሰባት’ውን ብተመሳሳሊ ክጸሉ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

እቲ ናይ 320 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ከመንጩ ተባሂሉ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ፣ መንስግቲ ሱዳን ከም ኣካል ምዕባለ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ይገልጾ እኳ እንተሎ፣ ብዛዕባ እቶም ካብ መነባብሮኦም ዝመዛበሉ ዘለዉ ነበርቲ እቲ ከባቢታት ግና ኣብ ግምት ከምዘየእተወ’ዩ ዝውቀስ።

 

ብቀዳም 21 ለካቲት ካብ ወድ ‘ል ሒሉ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ዝተገብረ ኣስታት 500 ነበርቲ እቲ ከባቢ መብዛሕቶም ሓረስቶን ነጋዶን ምዃሞም ዝሓበሩ ምንጭታት ዜና፣ ኣምሳያ ናይቲ ገጢምዎ ዘሎ ምምዝባል ዝኾነ ካሕሳ ከምዘይተገብረሎም’ውን የመልክቱ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢታት ከሰላ ዝሃንጾ ዘሎ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መመንጨዊ ዲጋ፣ ንተሰነይን ካልእ ምዕራባዊ ክፋላት ኤርትራን ጸዓት ንምሻጥ መደብ ከምዘለዎ’ውን ይጥቀስ’ዩ።

ካብ ኢትዮጵያ ናይ ኤሌክትሪክ ጸዓት ክትሽምት ውዕል ዝኸተመት ሱዳን፣ ተመሊሳ ንኤርትራ’ውን ገለ ክፋል ጸዓት ንምሻጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምስምምዓ ዝዝከር’ዩ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0