ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት 7 ሚልዮን ኤውሮ መዊሉ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት 7 ሚልዮን ኤውሮ መዊሉ

Radio Erena: 26 February 2015

solen

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምዕምዕባል ጸሓያዊ ጸዓት ዘገልግሉ መሳርሒታት ንምትካል ናይ ኣስታት 7 ሚልዮን ኤውሮ ገንዘብ ከበርክት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ምትካል ንጸሓያዊ ጸዓት ዘገልግሉ ኣቑሑት ክነጥፍ ዝጸንሐ ናይ ኢጣልያ ኩባንያ ‘ኤነትሮኒካ’ 73 መቐበልን መዕቖርን ጸሓያዊ ጸዓት ሰሪሑ ከዳሉ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ውዕል ከምዝኸተመ ብምጥቃስ፣ መዋሊ ናይቲ መደብ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 

እቲ መሳርሒታት ክሳብ 2016 ተዳልዩ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ትጽቢት ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ብዙሕ ፕሮጀክታት ዝምውል እኳ እንተኾነ፣ በቲ ሕብረት ዝግበር ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ሓገዝ ብመንግስቲ ኤርትራ ክግለጽ ኣይድለን’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0