መንግስቲ ሱዳን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪቡ

መንግስቲ ሱዳን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪቡ

Radio Erena: 26 May 2016

Sudan

መንግስቲ ሱዳን ናብ ሊብያ ንምስጋር እናተጓዓዙ ሒዘዮም ንዝበሎም ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እቶም ድሮ መንግስቲ ኤርትራ ተረኪብዎም ዘሎ ኣምኢት ስደተኛታት ኣብይ ቦታ ተታሒዞም ከምዘለውይ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እቲ ውድብ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ብዘስፈሮ ጸብጻብ መሰረት፣ መንግስቲ ሱዳን ብዘይካ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም ኣስታት 900 ኤርትራውያን ገፊፉ ኣሎ።

 

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምቕያድ መስርሕ ይቕጽልዎ ምህላዋም ሬድዮ ኤረና ካብ ሱዳን ዝተወከሰቶም ምንጭታት የመልክቱ።

ንሳቶም ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ፖሊስ ሱዳን ኣብቲ ኤርትራ ብብዝሒ ዝንቐሳቐስሉ ከባቢታት ካርቱም ጽዑቕ ግፋ ብምክያድ ኣብ ገሊኡ ጉቦ እናኽፈሉ ንግዝኡ ይሰድዎም ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ ሰሓፋ ዝርከቡ ፖሊስ ንነፍሲ ወከፍ ዝግፈፍ ኤርትራዊ ገንዘብ እናኽፈሉ ብግዝያዊ መንቀሳቀሲ ክፍንውዎ እንከለዉ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ካርቱም ከኣ ብፍላይ ደቂንስትዮ ኣብ ዝግፈፋሉ ክሳብ 180 ዶላር የኽፍልወን ምህላዎም ጠቒሶም።

ኣብዚ ንወርሒን ፈረቃን ቀጺሉ ዘሎ ግፋ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፣ ናይ UNHCR ወረቓቕቲ ዘለዎም ከይተረፉ ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብቶም ዛጊት መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ኣማኢት ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ዝተመዝገበ ከምዘይነበሮም’ዩ እቲ ትካል ስደተኛታት ይሕብር።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሊብያ ቅድሚ ምስጋሮም ናይ ምግፋፍን ናብ ኤርትራ ናይ ምምላሶምን ዘመተ ዘካይድ ዘሎ፣ ኢጣልያ ምስ እትርከበን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝርርብ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ መሬቱ እናቋረጹ ናብ ሊብያን ሃገራት ኤውሮጳን ንዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ንምግታእ ተሪር ስጉምቲ እንተወሲዱ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ክግበረሉ ምዃኑ’ዩ መብጽዓ ተኣትዩሉ ዘሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0