መንግስቲ ሱዳን ግፋ ኤርትራውያን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ

መንግስቲ ሱዳን ግፋ ኤርትራውያን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena: 27 May 2016

gifa

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ግፋ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን መንግስቲ፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብሉ ከባቢታት ገዛ ገዛ እናኣተዉ ከይተረፈ ተፍትሽ የካይዱ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ሱዳን ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ ግፋ እናተጠቕሙ፣ ካብ ስደተኛታት ብግቦን ካልእ ምኽንያታትን ገንዘብ ይምንዝዑ ምህላዎም’ውን ሎሚ ዝበጽሓና ተወሳኺ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ናይ UNHCR ወረቐት ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታትከይተረፉ ግዳያት እዚ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዊጅዎ ዘሎ ግፋ ይኾኑ ምህላዎም’ውን ይጥቐስ

 

መንግስቲ ሱዳን ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ገፊፉ ከምዘሎን ኣማኢት ካብኣቶም ከኣ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰን ተፈሊጡ ኣሎ።

NB:- ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0