መንግስቲ ሱዳን ንሓሙሽተ ስነጥበባውያን ብዛዕባ ደሞክራሲ ደሪፍኩም ብምባል ቀዪዱ

Radio Erena: 27 September 2020

መንግስቲ ሱዳን ንሓሙሽተ ስነጥበባውያን፣ ብዛዕባ ደሞክራሲ ጎስጒስኩም ብምባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቶም ስነጥበባውያን ካብ ጎረባብትኹም ‘ተረቢሽና’ ዝብል ክሲ ስለዝመጻኩም ኢኹም ተኣሲርኩም ዝብል መግለጺ እኳ እንተተዋህቦም፣ እቲ ዘዝይምዎ ዝነበሩ ደርፊ፣ ንደሞክራሲን ስርዓተ ሕጊን ዝጉስጉስ ብምንባሩ እዮም ተቐዪዶም ክብል እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ገሊጹ።
ጸጥታን ሰራዊትን ሱዳን ከምቲ ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ዝገብርዎ ዝነበሩ ዓመጽ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ፣ ክብል እዩ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝኸስስ።
መንግስቲ ሱዳን፣ ህዝቢ ዝጠለቦ ለውጢ ኣብ ምትግባር ኣዝዩ ዛሕቲሉ ከምዘሎ ብሓያሎ ሱዳናውያን ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ክኸውን እንከሎ፣ ብፍላይ ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኣልበሽር ነበር፣ ኣብ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒ፣ ንኣቓልቦ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክስሕብ ጸኒሑ’ዩ።
እቶም ስነጥበባውያን ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸሑሉ እዋን፣ ብሓለውቶም መግረፍቲ ከምዝወረዶም ተገሊጹ። ካልኦት’ውን ሽዱሽተ ስነጥበባውያን እውን ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ስነጥበባውያን ብቕጽበት ናጻ ክሰዶም፣ ደሞክራሲን ስርዓተ ሕጊን ኣብ ምስፋን ብምዝሕታሉ፣ ህዝቢ ዋጋ ይኸፍለሉ ከምዘሎ ከኣ ክግንዘብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0