ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ካብ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ገለ ክፋሉ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 September 2020

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ካብ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ገለ ክፋሉ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ኣምስተርዳም ዝመደበሩ ትካል ንሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከራኽብ ተባሂሉ ዝተወጠነ መስመር ጽርጊያ መስርሒ ዝለገሶ ሓገዝ፣ ደው ከምዘበሎ’ዩ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘተ ወይ ጽምዶ ንምምጻእ ክታባባዕ ብዝብል ምኽንያት ልዕሊ 80 ሚልዮን ዩሮ እዩ ንመስርሒ ጽርጊያ ለጊሱ ኔሩ። ፓርላማ’ቲ ሕብረት ኣብ ዝበጽሖ ስምምዕ ገለ ክፋልቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ተመዲቡ ዝነበረ ሓገዝ ናብ ሱዳን፣ ዝተረፈ ከኣ ንካልእ ፕሮጀክታት ክሽፍን ምዃኑ ተገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ንጥፈታት ብዝብል ዘካዪዶ ፕሮጀክታት፣ ብግዱድ ዕስክርና ዝስራሕ ብምዃኑ፣ ነቲ መንግስቲ ምሕጋዝ ዘበናዊ ባርነት ምትብባዕ’ዩ ብምባል ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ጥርዓናት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።
እቲ ንመስርሒ መስመራት ጽርጊያ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ብህግደፍ ዝውነን 09 ወይ ከኣ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ከካዪዶ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ ሓያሎ ወገናት ከቢድ ጥርጣረታት የሕዲሩ ጸኒሑ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0