መንግስቲ ሱዳን ተወሰኽቲ 36 ኤርትራውያን መሊሱ

መንግስቲ ሱዳን ተወሰኽቲ 36 ኤርትራውያን መሊሱ

Radio Erena: 22 September 2017

Kassala

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣሲርዎም ዝጸንሐ 36 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሰንበት 17 መስከረም 2017 ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከበ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

እቶም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብመንገዲ ላፋ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ጉዳዮም ንምጽራይ ዝኾነ ሕጋዊ ውክልና ከምዘይተዋህቦም እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ኣቐዲሙ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዞም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብተመሳሳሊ መስርሕ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰ ኣይርሳዕን።

ዶባታ ንስደተኛታት ክትዓጹ ብሃገራት ኤውሮጳ ገዚፍ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝግበረላ ዘሎ ሱዳን፣ ዶባት ክሰግሩ ንዝሓዘቶም ኤርትራውያን፣ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከይተሰምዐ ብዘይድሌቶም ናብ መንግስቲ ኤርትራ የረክቦም ምህላዉ’ዮም ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሱ።

እቶም በብእዋኑ መንግስቲ ሱዳን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ዝመልሶም ዘሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ንዝተወሰነ እዋናት ድሕሪ ምእሳሮም፣ እቶም ኣገልግሎት ዝወድኡ ናብ ኣሃዱታቶም ናብ ተሃድሶ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም ኣገልግሎት ዘይገበሩ ከኣ ናብ ታዕሊም ይልኣኹ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይገልጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0