መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ክፋል ከባቢታት ሰቲትን ኣጥባራን ንስዑዲ ዓረብ ብኽራይ ምሃቡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ተቓውሞ ኣካይዶም

መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ክፋል ከባቢታት ሰቲትን ኣጥባራን ንስዑዲ ዓረብ ብኽራይ ምሃቡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ተቓውሞ ኣካይዶም

Radio Erena: 30 June 2016

Atbara

መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ክፋል ከባቢታት ሰቲትን ኣጥባራን ንስዑዲ ዓረብ ብኽራይ ምሃቡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ተቓውሞ ኣካይዶም።

እቶም ሓረስቶት፣ መንግስቲ ሱዳን ብዘይኣፍልጥኦምን ምስኣቶም ከይተማኸረን፣ ንሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንኣውፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ምሃቡ ከምዘቖጠዖም ንሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ሃገራዊ ባይቶን ካልእ ፖለትኢኢካዊ መድረኻትን ክልዓለ ክደፍእሉ ምዃኖም ጠቒሶም።

እቲ መንግስቲ ሱዳን ንስዑዲ ዓረብ ብኽራይ ዝሃቦ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሰቲትን ኣጥባራን ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ን99 ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ከባቢ እተካይዶ ፕሮጀክታት ብምስጢር ክተሓዝ’ውን ክልቲኦም መንግስታት ስምምዕ ከቲሞም።

እዚ ንነዊሕ ዓመታት ብስዑዲ ዓረብ ክውነን ምዃኑ ዝተነግረሉ መሬት፣ ካብ ሕርሻ ወጻኢ ኣብ ካልእ መዓላ ከይውዕል ሓይሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0