ኢትዮጵያ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና

ኢትዮጵያ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና

Radio Erena: 30 June 2016

UN Eth

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ሕቡራት ሃገራት ብ28 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ናይ ምርጫ መስርሕ፣ ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንምዃን ካብ 193 ሃገራት 185 ናይ ደገፍ ድምጺ ረኺባ።

እታ ሃገር ኣብ ታሪኻ ንሳልሳይ እዋና’ያ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትኸውን ዘላ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምዕቓብ ሰላም፣ ምምካት ግብረ ሽበራን ካልእ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ብእትገብሮ ተሳትፎ፣ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንኽትከውን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ደገፍ ከምዝረኸበት ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

 

ካዛኪስታን፣ ቦሊቭያን ሽወደንን’ውን ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ዘይወቀምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ንምዃን ክምረጻ እንከለዋ፣ ኣቐዲመን ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ዝነበራ ቬኔዙዌላ፣ ስጳኛ፣ ማሊዥያን ኣንጎላን ከኣ ተኣልየን ኣለዋ።

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ሩስያን ቻይናን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ካብተን ካልኦት ኣባላት ሃገራት እቲ ውድብ፣ ከካብ ዞባኡ 15 ዘይቀወምቲ ኣባላት እናተመርጻ ይጽንበርአን’የን።

ኤርትራ እትርከበን 68 ሃገራት ዓለም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ንምዃን ዕድል ኣይረኸባን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0