መንግስቲ ሱዳን ሓሙሽተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ

መንግስቲ ሱዳን ሓሙሽተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ

Radio Erena: 06 May 2018

dob libya sudanመንግስቲ ሱዳን ሓሙሽተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝበሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።

ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ጉዳይ ስደተኛታት ሓማድ ኣል ጊዙሊ ኣብ ከተማ ካርቱም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ሓሙሽተ ኣሰጋገርቲ 70 ስደተኛታት ሒዞም ዶብ ሱዳን ቆሪጾም ናብ ሊብያ ኣብ ዝኣትዉሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተታሕዙ ሓቢሩ።

31 ካብቶም 70 ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፣ እቶም ዝተረፉ 39 ሱዳናውያን ምንባሮም የመልክት።

እዚ ብዕለት 4 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ እቶም 31 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከቡ፣ ዝኾነ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዶም ከኣ በብውልቂ ይሕተቱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቶም ሓሙሽተ ኣሰጋገርቲ ዝተባህሉ ብወገኖም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሱዳን እትርከብ ከተማ ኣል-ፋሺር ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ይጽበዮም ከምዘሎ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ወኪል ተጸዋዒ ስደተኛታት ኖሪኮ ዮሺዳ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ሱዳን ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ሶርያን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝመጹ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት ስለዝኾነት፣ ኣቓልቦ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዘድልያ ኣብሪሃ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ንሱዳን ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከምዝገብራ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0