መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 20 ሰባት ቀዪዱ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 20 ሰባት ኣብ ከሰላ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    
    ዝርዝር ሓበሬታን ኣስማትን ናይቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 20 ጥርጡራት ዛጊት ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ኣቐዲሙ ምምሕዳር ምብራቕ ሱዳን ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ንዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ጸጥታዊ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ መሓመድ ጣህር ምግላጹ ኣገንዞቦም።

    መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ጸጥታዊ ምንቕስቓስ የርኢ ከምዘሎን ምስ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብን ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ዳርጋ ብምሉኦም ግዳያት ናይቲ መሸጣን ምስግጋርን ዝኾኑ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ምስ ምዃኖም ግና ነቲ ዝዓበየ መዛረቢ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ንምግታእ መንግስቲ ኤርትራ ወላሓንቲ ስጉምቲ ከምዘይወሰደ’ዩ ዝንቀፍ ዘሎ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ወይ ድማ ናብ ኡጋንዳ ክምለሱ የገድዶም ምህላዉ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ስደተኛታት ሓቢሮም።

    ሆትላይን ፎር ሚግራንት ዎርከርስ ዝተባህለ ትካል፣  ሲናይ ብምቁራጽ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስክርነት ብምስናይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣዘዝቲ ናይቲ ቤት ማእሰርትን ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ብሓባር ነቶም ኤርትራውያን ወይ ናብ ኤርትራ ክንጥርዘኩም ወይ ድማ ባዕልኹም ናብ ኡጋንዳ ከምእትምለሱ ፈርሙ እናበሉ የገድድዎም ምህላዎም ኣረጋጊጹ።
ብእስራኤል ዝወርዶም ዘሎ ጸቕጥን ዘለውዎ ኩነታትን ክጻወሩ ዘይክኣሉ ሓያሎ
    ኤርትራውያን ክሳብ ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ይደፋፍኡ ምህላዎም ካብዚ ጭንቀት እዚ ንምህዳም ድማ ናብ ኡጋንዳ ክምለሱ ምዃኖም ተስገዲዶም ዝፈረሙ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉን ናይ ክልተ ኤርትራውያን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣገንዚቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0