መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽሎ ኣሎ

መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena : 03 February 2015

Kasgifa

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ መዓስከራት ሸገረብን ከተማ ካርቱምን ዝገፈፎም ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምርካብ ይቕጽሎ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱምን ከሰላን ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ብመንገዲ ሓምዳይት፣ ታላታዓሸርን ኣርባዕታዓሸርን ብድምር ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከቦም ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ሕጂ’ውን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጡ ኤርትራውያን ብሓልታት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዞም ምህላዎም ኣመልኪቶም።

ብጻዕቒ ዝካየድ ዝነበረ ግፋ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሒሉ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ሃንደበት ብዝወስዶ ስጉምታትት ሓያሎ ኤርትራውያን ክኣስርን ክገፍፍን ይክእል’ዩ ዝብል ሻቕሎት ምህላዉ’ውን ኣገንዚቦም።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመንገዲ ሓምዳይት ናብ ኤርትራ ካብ ዝተመልሱ ኣስታት 60 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ካብ መኪና ነጢሮም ንምዝላል ካብ ዝፈትኑ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ክመውት እንከሎ ሓደ ድማ ብጽኑዕ ከምዝቖሰለ’ውን ነዚ ሓበሬታ እዚ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ይሰግሩ ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እንተኾነ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብታ ሃገር ምሉእ ውሕስነት ከምዘይብሎም ብምጥቃስ UNHCR’ውን ንጥፈታቱ ብግቡእ የተግብር ከምዘየሎ ይወቕሱ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0