መንግስቲ ሱዳን፣ ንመራሒ ናይቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ናይ ኣዕራብ ምልሻ ከምዝኣሰሮ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ሱዳን፣ ንመራሒ ናይቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ናይ ኣዕራብ ምልሻ ከምዝኣሰሮ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 29 November 2017

janjawid

መንግስቲ ሱዳን፣ ንመራሒ ናይቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ናይ ኣዕራብ ምልሻ ከምዝኣሰሮ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ዓሊ መሓመድ ሳልም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መራሒ ናይቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝንቀሳቐስ ናይ ኣዕራብ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ዝኾነ ሙሳ ሂላል ብሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ከምዝተማረኸ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከቡ ኩሎም ዕጡቓት ብረቶም ከረክቡ ንዘሕለፎ ትእዛዝ፣ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ስለዝነጸጎ፣ ብረቱ ንኸውርድ ሰራዊት ሱዳን ብሰንበት 26 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ነቲ መራሕን ወዱን ከምዝማረኸ ኣመልኪቱ።

ሙሳ ሂላል ዝመርሖ ናይ ኣዕራብ ጃንጃዊድ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብሓባር ብምዃን፣ ኣብ 2003፣ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት ዳርፉር ዓሌት ብምጽናትን ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝተኸሰሰ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ እቲ ሚሊሻ፣ ብትእዛዝ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ሊብያን ሱዳንን ተዋፊሩ ስደተኛታት ክሕዝ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0