ብወትሃደራውያን መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ኤርትራ፣ ፍሽለት ከምዘጋጠመን ተገምጊሙ

ብወትሃደራውያን መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ኤርትራ፣ ፍሽለት ከምዘጋጠመን ተገምጊሙ

Radio Erena: 29 November 2017

Adi keyh

ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው፣ ብወትሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ዝኸፈተ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳራታተን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተገምጊሙ።

ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ እተን ኮሌጃት፣ ዓመታዊ ካብ ሳዋ ተመዲቦም ዝመጹወን ኣሽሓት ተማሃሮ፣ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዳርጋ ፍርቆም ብስግረዶብ ናብ ስደት ይውሕዙ ብምህላዎም፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ስሩዕ መደባት ትምህርቲ ንምክያድ ተጸጊመን ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።

ብሰንኪ’ዚ ድማ፣ ካብ ዝኽፈት ሸውዓተ ዓመታት ጥራይ ዝገበረ ኮሌጅ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዓዲ ቀይሕ፣ ስሩዕ ንጥፈታቱ ኣቛሪጹ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ፣ ብምወላ መንግስቲ ቻይና ኣብ ሰነ 2010 ኣብ ዝተኸፈተሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳታት ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ኮሌጅ ናይ ትሕተ ቅርጺ ጽገናታት ከምዘድልዮ ብምግላጽ ከምዝተዓጽወ ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ብርጋደር ጀነራል ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተማሃሮ ዝሓዘ ኮሌጅ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ጽገናታት የድልዮ ኣሎ ተባሂሉ ስሩዕ ንጥፈታቱ ክህብ ዘይንቡር ተርእዮ’ዩ ዝበሉ ተማሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ፣ መግትኢ ዝተሳእኖ ስግረ ዶብ ተማሃሮ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ ድማ ምልዕዓል ተቓውሞ ተማሃሮን ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብስም ተማሃሮ ኮሌጅ ኣብ ዓዲ ሓሎ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ፣ ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ኣድማ ናብ ናሮ ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ፣ ኣብ ማእሰርትን ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተጸሚዶም ምህላዎምን ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ኣብ 2001’ውን ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ዊዓ ከምዝኣሰሮም ኣይርሳዕን።

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ኤርትራ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣውሪድዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እተን ኮለጃት ዝህብኦ ዘለዋ መደባት ትምህርቲ ነቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ልምዓታዊ መደባት ዘሐይል ከምዘይኮነ ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ብርጋደር ጀነራል ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ምስ ናይ 24 ሕዳር ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ እቲ ዝጸንሐ መስርሕ ትምህርቲ ኣብ ዝርገሐ ዘድሃበ ስለ ዝኾነ፡ ኣንፈቱ ብዝሒ ከተፍሪ እዩ ዝደፋፍኣካ ድሕሪ ምባል፣ ኣብዚ እዋን ነቲ ዝነበረ ዕላማ ኣብ ክንቅይረሉ እንኽእል መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና። እዚ ማለት ድማ፡ ካብ ብዝሒ ናብ ዓይነት ዘፍርያ ትካላት ትምህርቲ ምቕያር ማለት እዩ ክብል እቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዕዉት ከምዘይነበረ ኣረዲኡ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ጀነራል፣ ኣብዚ እዋን ትሽዓተ ኮለጃት ክህልዋ እንከለዋ፣ ኣብኣተን ኣስታት 12 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ይርከቡ ኣለዉ።

እዘን ኮለጃት 700 ዝበጽሑ መምሃራን ኣለዉወን። ካብዚኦም እቶም 200 ናይ ወጻኢ ዜጋታት እዮም።

ብርጋደር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፣ ንዶክተር ታደሰ መሓሪ ተኪኡ ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ካብ ዝኾነላ ቅንያት፣ ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ነበር ዝኾነ ዓይነት ዶክመንታት ከይወሃቦምን ናብቲ ዘለውዎ ሃገራት ከይልኣኸሎምን ጥቡቕ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0