መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ንኤርትራውያን ገያሾ ግቡኦም ይኽልክል ምህላዉ ይውቀስ

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ንኤርትራውያን ገያሾ ግቡኦም ይኽልክል ምህላዉ ይውቀስ

Radio Erena: 25 October 2017

Egypt air

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ኤርትራ ንዝብገሱ ኤርትራውያን ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ግቡኣቶም ይግህስ ምህላዉ ግዳያት እቲ መንገዲ ኣየር ዝኾኑ ወገናት ወቒሶም።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ንዝገሹ ኤርትራውያን፣ ኣብ ካይሮ ትራንዚት ኣብ ዝገብርሉ፣ ብዘይዝኾነ ናይ ገያሾ ግቡእ ክሳብ ሳልስቲ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝውዕሉን ከምዝሓድሩን ይገብር ምህላዉ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣመልኪቶም።

 

ብመሰረት እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፣ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዝወስድ ናይ ትራንዚት ምጽባይ እንተለዎ፣ ናይ መግቢ፣ ሆቴልን ካብን ናብን ሆቴልን መዓርፎ ነፈርትን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎትን ዝኣመሰለ መሰላት ክህልዎም እንከሎ፣ ካብ ኤርትራ ዝብገሱ ገያሹ ግና፣ ዋላ’ውን ንኹሉ ዘማልእ ገንዘብ ከፊሎም ክነሶም፣ “ክሃድሞ’ዮም” ብዝብል ምኽንያት፣ ካብ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈርቲ ከይወጹ’ዮም ዝኽልከሉ።

ቆልዑ ዝሓዛ ኣዴታት ‘ውን ከይተረፋ ግዳያት እዚ ምግሃስ ይኾና ምህላወን ዘመልከቱ እቶም ወገናት፣ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ዝወሰዶ ዝኾነ ተበግሶ ከምዘየሎ ኣገንዚቦም።

ብፍላይ እቶም ናብ ኡጋንዳ ዝገሹ ኤርትራውያን ኣውራ ግዳያት እዚ መንገዲ ኣየር ይኾኑ ምህላዎም በብእዋኑ ክቐርብ ዝጸንሐ ጥርዓናት’ዩ።

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ ካይሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዘካይድ ይፍለጥ።

ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃን ዘራኽብ ብዝሒ መስመራት መንገዲ ኣየር ብዘይምህላዉ፣ መንገዲ ኣየር ግብጺ ነዚ ዕዳጋ’ዚ ብሒቱ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ እቲ መንገዲ ኣየር ፣ ከም መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ግብጺ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ደገፍ ደኣ’ምበር፣ ብመኽሰብ ይቕጽል ከምዘየሎ ክኢላታት እቲ ዓውዲ የረድኡ።

ካብ ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ዝካየደለን ከተማታት፣ ካርቱም፣ ጁባን ካይሮን ጥራይ’የን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0