ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ንዘካይዶ ቃልሲ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ንዘካይዶ ቃልሲ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት

Radio Erena: 25 October 2017

Ethio Somali

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ ፋርማጆ፣ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበርውያን ጉጅለታትን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፣ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘድልዮ ሓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝሓትት ዘሎ፣ ብ23 ጥቅምቲ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝተዘራረበሉ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ብ14 ጥቅምቲ 500 ሰባት ግዳያት ዝገበረ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኸበደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ምክያዱ’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ ኮይኑ፣ እዚ ናይ ሎሚ ዑደት ግና ኣብ ጉዳይ ናይቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘተኮረ’ዩ።

ንፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ተቐበሊሉ ዘዘራረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከምዘካየዶ ብምጥቃስ፣ ኢትይጵያ ጸጥታ ሶማልን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ምርግጋእ ምስ መንግስቲ ሶማል ከምእትሰርሕ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ብወገኑ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ’ዩ ፈጺምዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ኣልሸባብ ናይቲ ሰለማውያን ሰባት ጥራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓላፍነት ኣይወሰደን።

ኣቐዲሙ ኣብ ኡጋንዳ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ድሕሪ ምዝዛም፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ንምዝርራብ’ውን ናብ ጅቡቲ ከምርሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ድሕሪ መጥቃዕቲ ናብ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ መንግስቲ ሶማል ብመሪሕነት ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣልሸባብን ካልኦት ሓይልታት ሽበራን ናይ ምጽራግን ጸጥታ ናይ ምውሓስን ጻዕሪ ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብል ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብዛዕባ’ቲ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደብዳቤ ዝኾነ ይኹን ምላሽ እይሃበሉን።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0