መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረርኡ ክጅምር’ዩ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረርኡ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 12 July 2018

eth_airlinesመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረርኡ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ን20 ዓመታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ በረራ ካብን ናብን ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ ክጅምር ምዃኑ ብወግዒ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ድሕሪ ዝኸተምዎ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ’ዩ።

ብመሰረት’ቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ን ዘ ሪፖርተር ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብቲ ንሮቡዕ 18 ሓምለ ዝጅምር ፈላሚ በረራ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ዝዓይነታ ዘመናዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ክጥቐም’ዩ።

መዓልታዊ ሓደ ግዜ ናብ ኣስመራ በረራ ሰሪዑ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ምስ ግዜን ዕዳጋን ተራእዩ እቲ በረራታት ክስተኻኸል ከምዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ካብ ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ፣ መእተዊ ቪዛ ኣቐዲሞም ክሓቱ ከምዘየድሊ’ውን ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ክልቲኤን ሃገራት ነዚታትን ካልእ ዲፕሎማስያዊ ስርሓትን ንምስላጥ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኤምባሲታት ንምኽፋት ይስርሓሉ ከምዘሎዋ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንክሎ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ቀጥታዊ ናይ ቴሌፎን መስመር ከምዝተኸፍተ’ውን ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኼሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0