መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ምቑጻሩ፣ ዕዳግኡ ከንቖልቑል ከምዝኽእል ተገሊጹ

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ምቑጻሩ፣ ዕዳግኡ ከንቖልቑል ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 26 August, 2014

Turkish

ብሰንኪ ዋሕዲ ኣብረርቲ ተዋጢሩ ከምዝጸንሐ ዝገለጸ መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ብምቑጻሩ፣ ኣብ ዕዳጋ ከቢድ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ካብን ናብን ሓያሎ ሃገራት ዓለምን ኤውሮጳን ከም መተኣሳሰሪ ኮይኑ ከገልግል ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ምቑጻሩ፣ ንሓያሎ ኤውሮጳውያን ገያሾ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ኣቭየሽን ዎች ጠቒሱ።

 

ኢራን ምስ ሽበራን ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ክስታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ሕማቕ ምስሊ ሒዛ ስለእትርከብ፣ እቲ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ገያሾ ዘዘውትርዎ መንገዲ ኣየር ቱርኪ’ውን 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ምቑጻሩ፣ ኣሻቓሊ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ቱሪዚምን ወኪል ጉዕዞን ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።

ድሮ’ውን እቲ ናብ ኤርትራ ሓድሽ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ናብ እስራኤል ዘካይዶ ዝነበረ መዓልታዊ ካብ 7 ክሳብ 8 በረራታት ገለ ክፋሉ ሰሪዝዎ ኣሎ።

ካብን ናብን ኢስታንቡልን ቤን ጎርዮን ናይ እስራኤልን ከም መተኣሳሰሪ ኮይኑ ኣማኢት ኣሽሓት ገያሾ ከጎዓዕዝ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ናብ እስራኤል ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ንገለ ክፋሉ ምስራዙ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክሳራ ከጋጥሞ ምዃኑ’ውን’ውን ክኢላታት ይገልጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ገለ ክፋል ናይቲ ናብ እስራኤል ዘካይዶ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝስርዝ ዘሎ፣ 200 ኢራናውያን ኣብረርቲ ምቑጻሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቱርክን ተኸሲቱ ብዘሎ ተጋራጫዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ምዃኑ’ውን ይጥቐስ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ነዚ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር መኽሰብ ዝነበሮ ገለ ክፋል በረራታት ኢስታምቡል-ቤንጎርዮን ብምስራዝ፣ በንጻሩ ናብታ ብዝሒ ገያሾ ዘይብላ ኤርትራ፣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ሓድሽ መስመር ምኽፋቱ ዘርብሖ ከምዘይኮነ ክኢላታት የመልክቱ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0