መንገዲ ኣየር ቀጠር ንመስመር ኣስመራ ጅቡቲ ኣ’ዶውሓ ንምትእስሳር ይሓትት

መንገዲ ኣየር ቀጠር ንመስመር ኣስመራ ጅቡቲ ኣ’ዶውሓ ንምትእስሳር ይሓትት

Radio Erena: 10 December 2014

Qatar Asm

መንገዲ ኣየር ቀጠር ንመስመር ኣስመራ ጅቡቲ ኣ’ዶውሓ ንምትእስሳር ይሓትት ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብ 5 ታሕሳስ ኣትሒዙ ከኣ ናብ ኣስመራ ሓድሽ በረራታት ምጅማሩ ይፍለጥ።

ኣብ ክልትኤን ሃገራት ክህሉ ንዝኽእል ብዝሒ ተጓዓዝትን መንገዲ ኣየር ቀጠር ዝመላለሰሉ ዕለታትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንመስመር ኣስመራ ጅቡቲ ኣ’ዶውሓ ንምትእስሳሩ’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

 

እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ጅቡቲ ኣብ ሰመኡን ሰለስተ ግዜ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ እንክከሎ ናብ ኣስመራ ከኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ’ዩ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ክህብ።

እቲ መንገዲ ኣየር ንጅቡቲ ከም ትራንዚት እናተጠቕመት ካብ ኣ’ዶውሓ ናብ ጅቡትን ኣስመራን ንዘሎ መስመር ንምትእስሳሩ’ዩ ዝሓስብ።

እንተኾነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ገና ዘይተፈትሐ ኩነታት ነዚ ናይ መንገዲ ኣየር ቀጠር መደብ ኣብዚ እዋን’ዚ ከዕውት ኣየከኣለን ዘሎ።

ምልውዋት ምሩዃት ኵናት ክልቲኤን ሃገራት ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ተደናጉዩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ጅቡትን፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣትሒዙ ብዝርአ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ቀጠር ዝሓሸ ኣንፈት ሒዙ ከምዝርከብ ይግለጽ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናይ ዓመተ 2015 ከኣ ክልቲኤን ሃገራት ምሩዃት ኵናት ክለዋወጣ ዝልዓለ ተኽእሎ ብምህላዉ፣ መስርሕ ሰላም’ውን ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ እንተበጺሑ፣ መንገዲ ኣየር ቀጠር ንመስመር ኣስመራ ጅቡቲ ኣ’ዶውሓ ከተኣሳስር’ዩ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0