ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ብመንገዲ’ታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደብ ሖዴዳ ኣጽዋር ከእትዉ ጀሚሮም

ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ብመንገዲ’ታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደብ ሖዴዳ ኣጽዋር ከእትዉ ጀሚሮም

Radio Erena: 10 December 2014

Arms Hod

ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብእትርከብ ወደብ ሖዴዳ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ከእትዉ ከምዝጀመሩ ጋዜጣ ሻርቕ ኣልኣውሰጥ ንምንጭታት እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢራ።

እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ 38 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ወደብ ሖዴዳ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሑቲ ከምዝኣተወት ዝዝከር’ዩ።

ኣብታ ወደብ ዓስኪሩ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ የመን ምስ ዕጡቓት ሑቲ ብምትሕብባር ከበድቲ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ናብታ ወደብ ከምዝዓሸገ ዝሓበረት ጋዜጣ ሻርቕ ኣልኣውሰጥ፣ እቲ ኣጽዋር ካብ ኢራን ዝተላእከ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊታ።

 

ኣቐዲሙ እቶም ተቓወምቲ ብመንገዲ ኤርትራን ኢራንን ኣጽዋር ይኣትዎም ኣሎ ዝብል ክሲ መንግስቲ የመን ከምዝነበረ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ገስጋስ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ሓባራዊ ጻዕርታት ክገብራ ምጽውዑ’ውን ኣል ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን ጠቒሱ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0